Wednesday, December 14, 2022

መቅድም ተአምረ ኢየሱስ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጥዑመ ስም ለዘይጼውዖ ኢየሱስ

መቅድም ተአምረ ኢየሱስ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጥዑመ ስም ለዘይጼውዖ ኢየሱስ ክርስቶስ ኅብስተ ሕይወት ለዘይበልዖ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ጽዋዕ መድኃኒት ለዘይጸምኦ፡ ከመ ይባርኩነ ይፈኑ አርዳኦ፡ ለጸባኢነ ይጽብኦ ወልታሁ ነሢኦ። ኢየሱስ ክርስቶስ ጥዑም ስምዩ ንዝጽውዖ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ሕብስተ ሕይወት’ዩ ንዝበልዖ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ መስተ መድኃኒት’ዩ ንዝጸምኦ፣ ንኽባርኹና ይፈንወልና ኣርዳኦ(ሓዋርያቱ)፣ ዋልታኡ ኣልዒሉ ንዝጻብኣና ይጻብኦ። ኢየሱስ ክርስቶስ ዘአጽልእቲሁ ምስሌሁ፡ መስቀለ ሞቱ ቅድሜሁ፡ ዐዘቅተ ወይን ገቦሁ፡ ቊርባነ አምልኮ ሥጋሁ፡ ያብአነ ቤተ መርዓሁ ውስተ ደብተራሁ፡ አመ ይትጋብኡ ለምሳሕ ሥርግዋን ሐራሁ። ኢየሱስ ክርስቶስ ስምብራቱ ኩሉ ምስኡ፣ መስቀል ሞቱ ቅድሚኡ፣ ዒላ ወይኒ ኢዩ ገቦኡ፣ ቊርባን ኣምልኾ ሥጋኡ፣ የእትወና ናብ ኣዳራሽ መርዓኡ፣ ስሉማት ኣገልገልቱ ንምሳሕ ምስ ተጋብኡ። ለጥብሐ ሥጋከ ንሴስዮ፡ ወለነቅዐ ደምከ ንረውዮ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ በግዕ ዘቀራንዮ፡ ለላህይከ ንትሜነይ ከመ ንርአዮ፡ ውስተ ስያሐ ሱራፈ ለስእለትነ ደዮ፡ ወበሕማመ ሞትከ አምላካዊ ለቍስልነ አጥዕዮ። ንጥብሓት ሥጋኻ ንሰስዮ፣ ንዝውሕዝ ደምካ ንሰትዮ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ በጊዕ ናይ ቀራንዮ፣ ንውቃብ ገስካ ንምነ ንኽንርእዮ፣ ንልማኖና ናብ ምስጋና ሱራፈ ወደዮ፣ ብሕማም ሞትካ ኣምላኻዊ ንቊስልና ኣጥዕዮ። ለጥብሐ ሥጋከ ንጸግቦ፡ ወለነቅዐ ደምከ ንሰርቦ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ በግዕ ርጉዝ ገቦ፡ አይሁዳዊ ከሐዲ አሚነ ሥላሴ ዘአልቦ፡ ኢተወልደ እማርያም ዘይቤለከ እመቦ፡ እህጉራተ ዓለም ለይዑድ ከመ ከልብ ርኂቦ። ንጥብሓት ሥጋኻ ንሰግቦ፣ ንምንጪ ደምካ ንሠርቦ (ንሰትዮ)፣ ኢየሱስ ክርስቶስ በጊዕ ርጉዝ ገቦ፣ ኣይሁዳዊ ከሓዲ እምነተ-ሥላሴ ዘኣልቦ፣ ካብ ማርያም ኣይተወልደን ዝብለካ እንተሎ ኣህጉራት ዓለም ይኲለል ከም ከልቢ ርሂቦ(ጠምዩ)። 1 ድህሪ ንባብ ተአምረ ኢየሱስ አመ ትመጽእ ለኰንኖ ምስለ ደመ ገቦ ወአእጋር፡ አማኅፀንኩ ነፍስየ ውስተ እዴከ ክቡር፡ ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚአ ሰማያት ወምድር፡ ይትዋቀሱ በእንቲአየ ተኰርዖትከ በበትር፡ ወተሰይጦትከ ከመገብር ለኅዳጥ ብሩር። ንፍርዲ ክትመጽእ ከሎኻ ምስ ደም ገቦ ወኣእጋር፣ ነፍሰይ ኣማሕጺነ ኣሎኹ ናብ ኢድካ ክቡር፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ሰማያት ወምድር፣ ምእንታይ ይባኣሱ ምቕጥቃጥካ ብበትር፣ ምሻጥካውን ከም ባርያ ንቊሩብ ብሩር። ሃሌ ሉያ በሣህልከ ምህረትከ ኢየሱስ አድህነነ እም መከራ ስጋ ወነፍስ። ሃሌ ሉያ ብይቕሬታ ምሕረትካ ኢየሱስ ኣድሕነና ካብ መከራ ሥጋ ወነፍስ። ስብሐት ለከ ኢየሱስ በአፈ ኩሉ ውዱስ፡ ስብሐት ለከ ኢየሱስ ለዕሩቃን ልብስ፡ ስብሐት ለከ ኢየሱስ ዘኢትሠዓር ንጉሥ፡ ስብሐት ለከ ኢየሱስ ለዓለመ ዓለም ንጉሥ፡ ስብሐት ለከ ኢየሱስ ቃለ አብ ቅዱስ። ምስጋና ንዓኻ ኢየሱስ ብኣፍ ኩሉ ውዱስ፣ ምስጋና ንዓኻ ኢየሱስ ንዕሩቓን ልብስ፡ ምስጋና ንዓኻ ኢየሱስ ዘይትሠዓር ንጉሥ፡ ምስጋና ንዓኻ ኢየሱስ ንዘለዓለም ንጉሥ፥ ምስጋና ንዓኻ ኢየሱስ ቃል ኣብ ቅዱስ። 1

No comments:

Post a Comment